BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ

Tigrinya Top Stories

ከይሓልፈኩም

  • ቅልውላው እስራኤልን ኢራንን

    ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ መን ከሲቡ? መንከ ከሰረ?

    እስራኤላዊ ተመራማሪ፡ እስራኤል ካብቲ መጥቃዕቲ ዝረኸበቶም ገለ ረብሓታት እኳ እንተሃለው፡ ብኻልእ ሸነኽ ግን ስዕረት እያ ኣአንጊዳ ይብል። እዚ ድማ፡ ኣሰላልፋ ማእከላይ ምብራቕ ዘይምግንዛባን ኢራን ኣብ ዶባታ መጥቃዕቲ ንኸይተብጽሕ ክትከላኸል ዘይምኽኣላን እዩ ኢሉ ይኣምን።

  • ካባላጋላ፡ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ስደተኛታት እዘን ሃገራት ዝነብሩሎም ከባቢታት ኰይኑ፡ ብርክት ዝበሉ እንዳ ለይታዊ ተልሂትን ትካላት ንግድን ይርከቡ

    ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን፡ ሰብ ተስፋን ሰብ ጓህን ኣብ ጐደና ግጋባ - ካምፓላ

    ዩጋንዳ፡ ንዓመታት ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ብቐጻሊ ንስደተኛታት ዝቕበል ክፉት ፖሊሲ ዘለወን ሃገራት ኰይና ጸኒሓ። ኣብታ ሃገር 13 ማእከላት መዕቈቢ ስደተኛታት ዘለው ኰይኖም፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ብርክት ዝበሉ ካብ ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ኮንጐ፡ ኢትዮጵያንን ደቡብ ሱዳንን ዝተሰዱ ስደተኛታት ከተማ ብግዝያውነትን ቀዋምነትን ይነብሩ።

  • ሓደጋ መኪና

    ኬንያ፡ ኣብ ሓደገኛ ጉዕዞ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝጠፍኡ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት

    ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ 10 ተስፋ ዝቖረጹ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ገጾም ተበጊሶም። መዕለቢኦም ኡጋንዳ’ዩ። ክሳብ ቀረባ ዓመታት ኣስታት 200 ሽሕ ዝዀኑ ኤርትራውያን ዝበዝሑ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ነይሮም።

  • ሄኖክ ዛይድ ገብረስላሰ

    ርእሰ-ቅትለት ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ መጠንቀቕታ ኩነታት መንእሰያት ስደተኛታት'ዩ- ዳዕሮ

    ካብ 2020 ክሳብ 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብቲ ብክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት (ሆም ኦፊስ) ዝመሓደር መዕቆቢ ዝነበረ 23 ሓተትቲ ዑቕባ ርእሰ-ቅትለት ምፍጻሞም ዝተረጋገጸን ዝተጠርጠሩን ከምዘለዉ፡ 'ሊበርቲ ኢንቨስቲጌትስ' ብዝተባህለ መርማሪ ጋዜጣዊ ጸብጻብ ዝሰርሕ ትካል ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።

  • ከተማ ሆግ

    ኤርትራውያን ኣብ ካናዳ ዝብድሆም ዘሎ ስእነት ስራሕ እንታይ ይመስል?

    ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንካናዳ ቅድሚ ምእታዎም መብዛሕትኦም፡ ኣብተን ዝጸንሑለን ሃገራት ኰይኖም ብሓገዝ ስድራ ቤቶም ብሓዋላ ክናበሩ ዝነበሩ እዮም። እቲ ዝረኽቡዎ ገንዘብ ከኣ፡ ካብ ኢዶም ናብ ኣፎም ስለዘይሓልፍ፡ እቶም ዝበዝሑ፡ ኣብተን ብኤርትራውያን ዝውነና ትካላት ብትሑት መሃያ እናሰርሑ፡ ብትምህርቲ ከይሰጐሙን ብሞያ ከይሰልጠኑን እዮም ናብ ካናዳ ዝኣትው።

  • ብቅርጺ ዓይኒ ዝተሰርሐ ገይጺ ኢድ

    ብውሕልነቶም፡ ‘ቡዳ’ እናተባህሉ ዝጥቅዑ ዘለው ኢደ ጥበበኛታት

    ኣብ ትግራይ ኣብ ስርሓት ኢደ ጥበብ ዝተዋፈሩ ሰባት ‘ሰብ ዝቐትሉ ቡዳታት እዮም’ ብዝብል ባህላዊ እምነት ኣደዳ ግፍዕን ሞትን ምክልባትን ከም ዝዀኑ ይገልጹ። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሕ በደላት እናሓመቐን እናወሰኸን ምኻዱ ዝገልጽ ማሕበር ኢደ ጥበበኛታት ትግራይ፡ ካብ ምዝንባል፣ ጸለመን ምፍርራሕን ብዝሰገረ ክሳብ ቅትለት ዝበጽሕ ምዃኑ የረድእ።

  • ቢንያም ግርማይ ኣብ 2022 ኣብ ጂሪኦ ዲ ኢታሊ ናይ መድረኽ ዓወት ኣብ ዘመዝገበሉ

    ኤርትራ፡ ስሙያት ተወዳደርቲ ብሽክለታ እናፍረየት ስለምንታይ ስሙይ ውድድር ከተካይድ ዘይትኽእል?

    ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሓያልን ስሩዕን ውድድራት ዘይምህላዉን፡ ኣብ ኵለን ዞባታታት ካብ ውድደር ማውንተይን ባይክ ዝጅምር ውድድር ዘይምህላዉ’ዩ ንቍጽሪ ፕሮፈሽናላት ተወዳደርቲ ከምቲ ዝድለ ክብ ንኸይብል ዓንቃጺ ኰይኑ ሒዝዎ ከምዘሎ'ውን ይፍለጥ።

  • ባጤራ ናቕፋ

    ኤርትራ፡ ተኽእሎታት ወፍርን ግብራውነቱን ከመይ እዩ?

    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገርን ሓያሎ ሰበ ስልጣን መንግስትን ተራኺቡ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕተ ቅርጺ፡ መንገዲ ባቡር፡ ወደባት፡ ጸዓት፡ ሕርሻን ምግፋፍ ዓሳን ሰፊሕ ዕድላት ወፍሪ ከምዘሎ ኣብሪሁ እዩ። እዚ ዕድላት ግብራዊ ክኸውን ዘሎ ተኽእሎን ብድሆታቱን ኣብ ዝምልከት እምበኣር፡ ቢቢሲ እምበኣር ንክኢላታት ዓውደ ቍጠባን ወፍርን ኣዘራሪቡ ነቲ ዛዕባ ዳህሲሱዎ ኣሎ።

  • ፕረዚደንት ኢጣልያ ነበር ኦስካር ሉዊጂ ስካልፋሮ (ጸጋም) ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ 1997

    ዲፕሎማሲ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢጣልያን ካበይ ናበይ?

    ኣብ እዋን ድሕረ-መግዛእቲ፡ ከም ፈረንሳን እንግሊዝን ዝኣመሰላ ገዛእቲ ዝነበራ ሃገራት፡ ንናይ ቀደም ግዝኣታተን ብዝተፈላለየ መዳያት ብምሕጋዝን፡ ከይተባተኻ ፍሉይ ዝምድና ከማዕብላ ይረኣያ። ኤርትራን ኢጣልያን ግን እንታይ እዩ ታሪኸን? ኣብ ድሕረ-ናጽነት ኤርትራ ብፍላይ ከመይ እናበለ ክመጽእ ጸኒሑ? ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ፡ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ንኤርትራውያን ምሁራት ኣዘራሪቡ ዳህሲስዎ ኣሎ፤

  • ሓደ ካብ መስረትትን ዳይረክተርን ትካል ከነኣን ኢንጂነር በረኸት ጎይትኦም

    ከነኣን፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተሰረተ ካብ ዓበይቲ ትካላት ኤርትራውያን

    ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ወጺኦም ኣብ ሃገረ ስደቶም ኣብ ዝተፈላለየ ጽላት ርእሰ ማሎም፡ ፍልጠቶምን ክእልታቶምን ኣውፊሮም ኣብ ዝምስርትዎ ዕዉት ትካላት ንነብሶምን ካልኦትን ዕድል ስራሕ ይፈጥሩ ኣለው። ኣብ 2007፡ ብኢንጂነር በረኸት ጐይትኦምን ኢንጂነር ብእምነት ለኣከን፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተመሰረተ፡ ኣብ ዝተፈለላያ ሃገራት ጨናፍር ኣስፊሑ ዝነጥፍ ዘሎ “ከነኣን” እተሰምየ ትካል ሓደ ካብ ግሉሓት ኣብነታት ኤርትራውያን ኣውፈርቲ’ዩ።

  • መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ

    ቅልውላው ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዝምድና ሃገራት እንታይ ይመስል?

    ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዞባታት ብግጭት፡ ምትእትታው ሓያላን ሃገራትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እዩ ዝፍለጥ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣማኢት ኣሽሓት ዝሞቱሉ ኲናት ዘአንግድ እዚ ወጥሪ ዘይጠፍኣሉ ምኽንያት ሓደ ብሰንኪ ውሽጣዊ ጉዳያት እተን ሃገራት እዩ። ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ምትፍናን’ውን ጽልዋ ኣለዎ።

ትንታነ

  • ፑቲን

    ሩስያውያን፡ ነቲ ድሕሪ ስታሊን ነዊሕ ዝፀንሐ መራሒ ከመይ ይርእይዎ?

    "ፑቲኒዝም ሓደ ተወሳኺ ስጋ ዝለበሰ ስታሊኒዝም'ዩ ምበልኩ። ከም [መላኺ ሶቭየት ነበር] ስታሊን ይመሳሰል። ስልጣኑ ከምቲ ኣብ ግዜ ስታሊን ዝነበረ ብሕታዊ እዩ። ብዙሕ ፖለቲካዊ ዓፈናታት ክጥቀም ይመርጽ። ከም ስታሊን ድማ ክሕሉ ድሉው እዩ፤ ዕድመኡ ልክዕ ኣብ ስልጣን ይርከብ።"

  • ህጻን ዝሓዘለት ቈልዓ ምስ ዓባይ ሰበይቲ

    እስራኤል ትነቕፎ ዘላ ሓድሽ ውዕል ተዅሲ ደው ምባል እንታይ እዩ?

    ሓይልታትን ታንክታትን እስራኤል ኣብ ጥቓ ዶብ ራፋሕ ብምሸት ናብ ደቡባዊ ጋዛ ክኣትዉ ከምዝተራእዩ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢሮም። ኣቐዲሙ ሰራዊት እስራኤል ፍልስጤማውያን ካብ ምብራቓዊ ክፋላት እታ ከተማ ክወጹ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃብ ኣብ ዶብ ግብጺ ኣብ እትርከብ ራፋሕ መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይዱ ነይሩ።

  • ባንዴራ ኢትዮጵያን

    ኢትዮጵያ፡ መሰጋገሪ ፍትሒ ‘ካብ ሓላፍነት ንምህዳም ወይስ ገበነኛታት ንምቕጻዕ?’

    ዕላማ ፖሊሲ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ኣብ ኵነታት እታ ሃገር መሰረት ዝገበረ "ዝተዋደደን ዝተናበበን ስርዓት ትግበራን መስርሕን መሰጋገሪ ፍትሒ ምዝርጋሕ" ከምዝዀነ እዩ ተገሊጹ። ክኢላታት ሕግን ምሁራትን ግን ኣብቲ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተኣወጀ መሰጋገሪ ፖሊሲ ፍትሒ ዝተፈላለዩ ነቐፌታ የቕርቡ ኣለዉ።

  • ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን ብዓረብያ ፈረስ

    ኵነታት ራፋሕ ናበይ ገጹ? እስራኤል 100 ሽሕ ፍልስጤማውያን ክወጹ ጸዊዓ

    ሰራዊት እስራኤል ቅድሚ’ቲ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ቓዛ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ስርሒት፡ ፍልስጤማውያን ሲቪላት ካብ ገለ ክፋል ምብራቓዊ ራፋሕ ክወጹ ኣዚዙ።

  • ኣብዚ ሕጂ እዋን ክልተን ልዕሊኡን ኰይንካ ምስ ዘይትፈልጦም ሰባት ምንባር ልሙድ እዩ

    ስለ ምንታይ’ዩ ምስ ዘይትፈልጦ ሰብ ሓቢርካ ምንባር ዝያዳ ሕጕስ ዝገብር?

    ኣብዚ ሕጂ እዋን ክልተን ልዕሊኡን ኰይንካ ምስ ዘይትፈልጦም ሰባት ምንባር ልሙድ እዩ። ግን እንታይ ይመስል?

  • ኣመንቲ ኦርቶዶክስ

    ካብ ሰሙነ ሕማማት ክሳብ በዓል ትንሳኤ

    ትንሳኤ ካብቶም ዓበይቲ በዓላት ኣመንቲ ክርስትና እዩ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ዓብዪ ጾምን ንስሓን እዋን ዝጸንሑ ብዙሓት ክርስትያናት ትንሳኤ ክርስቶስ የብዕሉ። ትንቢታት ብሉይ ኪዳንን ዝተፈጸመላን እግዚኣብሔር ነዛ ዓለም ዘድሓነላን መደብ ከምእዝውክል ይኣምኑ። ንምዃኑ በዓል ትንሳኤ ስለምንታይን ብኸመይን’ዩ ዝኽበር? ሰሙነ ሕማማት’ከ እንታይ ማለት’ዩ?

  • ፋይዛ ኢብራሂም ዖስማን

    'ፍርሕን ጸሎትን' ዘንጸላለዋ ዝተኸበት ከተማ

    ወዲ 31 ዓመት መምህር እንግሊዝኛ ዑስማን መሓመድ “ኩላትና ኣብ ፍጹም ፍርሕን ኣብ ዝመጽእ መዓልታት እንታይ ከም ዝጽበየና ብቐጻሊ ኣብ ምጭናቕን ኢና ንነብር” ይብል። ኣቦ ሓሙሽተ ቆልዑ ዝኾነ መሓመድ ዓሊ ኣደም መሓመድ ዝተባህለ ወዲ 36 ዓመት ወናኒ ድኳን እውን ኣብ ከቢድ ስግኣት ተሸሚሙ ይርከብ።

  • ቫቲካን

    ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ብኸመይ ኣብ ቀጽሪ ቫቲካን ልዕሊ 500 ዓመት ዝገበረ ንብረት ኣጥርያ?

    ኣብ መበል 15 ክ/ዘመን ኣብሲናውያን ክርስትያናት ካብ ሃገሮም ተበጊሶም በረኻታት ሱዳንን ኣጻምእ ግብጽን ሰጊሮም ኣብ ግብጺ እስክንድርያ ኣብ ዝርከብ መንበረ ማርቆስ ይሳለሙ ነይሮም።ቀጺሎም፡ በረኻታት ሲናይ ሰጊሮም ን"ቅድስቲ ሃገር" ንእየሩሳሌም ይሳለሙ ነይሮም።ጕዕዞኦም ብእኡ ደው ኣይበለን ። ናይ ቅዱስ ጳውሎስን ጴጥሮስን መካነ-መቓብር ንክሳለሙ ናብ ሮማ ይጐዓዙ ነይሮም።

  • መፍለዪ ኣርማ ጋንታት ወልዋሎ፣ መቐለ 70 እንደርታን ስሑል ሽረን

    ናብ ፕሪምየርሊግ ክምለሳ ዝተበየነለን ጋንታታት ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከባ?

    ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ዝሳተፋ ዝነበራ ጋንታት ኩዕሶ እግሪ ትግራይ፡ መቐለ 70 እንደርታ፣ ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራትን ሱሑል ሸረን ኮይነን ብድሕሪ ስምምዕ ሰላም ናብ ዝነብርኦ ሊግ ንኽምለሳ ሓቲተን ነይረን። እንተኾነ እቲ 16 ጋንታት ዝሳተፋሉ ፕሪምየርሊግ ብኻልኦት በቲ ኲናት ዘይተጸለዋ ጋንታት ቀጺሉ ስለዝነበረ እተን ናይ ትግራይ ጋንታት ዝምለሳሉ ዕድል ኣይረኸባን ጸኒሐን።

  • ብሰራዊት እስራኤል ዝተቐትለ ኣዳም

    እስራኤል ብቕትለት ህጻናት ብገበን ኲናት ትኽሰስ

    ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ጀኒን ዘይከም ቃዛ ብሓማስ ኣይትመሓደርን እያ። ሰራዊት እስራኤል ናብቲ ከባቢ እንተመጽዮም ከኣ፡ ድኳናት ብቕልጡፍ እዮም ዝዕጸዉ።

  • ክሪስ ባኒ እናሰንከተ

    ተመራመርቲ ‘ጥዕና ዝህብ ጻዕዳ ባኒ’ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም

    እቶም ተመራመርቲ ነቲ ባኒ ከዳልዉ ከለዉ ውሑድ መጠን ዓተር፣ ባሎንጓን ጥረታትን ከምኡ’ውን ካብ ጻዕዳ ሓርጭ ዝእለዩ ገፈልን ቡቋልን ስርናይ ክውስኹሉ መደብ ኣለዎም።

  • ጀነራል ማይክል ላንግሊ

    ኣዛዚ ኣፍሪኮም 'ቀንዲ ስግኣት ኣፍሪቃ' ዝበሎም ዘርዚሩ፤ እንታይ እዮም?

    ኣብ ቃለመጠይቝ፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ እዚ ኣፍሪቃ-ኣመሪካ ጀነራል ማይክል ላንግሊ፡ ሕሉፋት ጕጅለታት፡ ጸጥታ ኣፍሪቃ ኣብ ምዝራግ ቀንዲ ስግኣት ኰይኖም ይቕጽሉ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኣዘራረብቲ ዛዕባታት

ሳይንስን ጥዕናን

መዛነዪ

ብብዝሒ ዝተነበ