BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
Tigrinya Top Stories
መንግስቲ ኤርትራ ሰብመዚ ስዊዘርላንድ ንዝወሰድዎ ውሳነ ኰኒኑ
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ልዕሊ 300 ኣብ ዞባ ገርላፊንኸን (ስዊዘርላንድ) ዝነብሩ ኤርትራውያን ደገፍቲ መንግስቲ ኣብ ሓደ ዘዳለውዎ ጽንብል ንምስታፍ ኣብ ዝመጽእሉ፡ ኣስታት 200 ዝዀኑ ኣእማን፡ ሓጻውንን ኣባትርን ዝሓዙ ተቓወምቲ መንግስቲ ነቲ ምትኽኻብ ክብትንዎ ከም ዝኸዱ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም ነይሮም።
ቦይንግ 737 ዝዓይነታ ዓባይ ነፋሪት ኣብ ሰኔጋል ተሓምሺሻ
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ሓንቲ በቲ ትካል ዝተሰርሐት መንገዲ ኣየር ኣላስካ ዝውንና ቦይንግ 737 ማክስ፡ ተረጊጡ ዝነበረ ማዕጾኣ ተነቒሉ ድሕሪ ምውዳቑ ተወሳኺ ሻቕሎት ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።
'ኦሮሞ ሓራ ወጺኡ’ዩ፤ ተቓሊስና ብደምና ተዓዊትና ኢና' ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ
"ኣብ ነቀምት ኣዋጅ ክእውጅ እደሊ። ሓድነት ኦሮሞ እንተዘይተዓቂቡ ሓድነት ኢትዮጵያ ክቕጽል ከምዘይክእል ህዝቢ ኢትዮጵያ ክግንዘብ ኣለዎ። ኦሮሞ ሰላም እንተዘይኰይኑ ኢትዮጵያ ሰላም ኣይክትረክብን እያ። ኦሮሞ ዓቢ እዩ። ነብሱ ቀይሩ ሃገር ይቕይር” ክብል እውን ተዛሪቡ።
ኔዘርላንድስ፡ 'ናዕበኛታት ኤርትራውያን' ንምህዳን ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሕጊን ጽልዋኡን እንታይ ይመስል?
እቶም ተቓወምቲ፡ ነቲ ፈስቲቫል ክዘርጉ፡ ብፖሊስ ተዓጊቶም ናብ ውሽጢ እቲ ኣደራሽ ክኣትዉ ስለዘይከኣሉ፡ እንጽርጽሮቶም ኣብ ቅድሚኦም ኣብ ዝጸንሐ ንብረት - መሳዅቲ እቲ ኣደራሽ፣ ክምኡ’ውን ኣብ ሰባት ኣባላት ፖሊስን ወሃብቲ ዝተፈላለየ ሓገዛት፡ መጥፋእቲ ሓውን ካልእን - ብምህራምን መካይን ብምቅጻልን ዕንወት ከምዝወርዱ እውን'ዩ ዝግለጽ። ቢቢሲ ኣብታ ሃገር ንዝነበር ኤርትራዊ-ኔዘርላንዳዊ ጋዜጠኛ ሃብቶም ዮሃንስ ኣዘራሪቡ፡ ብተወሳኺ ዳህሲስዎ'ሎ።
ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024፡ እስራኤልን ሩስያን ካብቲ ውድድር ተኣጊደን ድየን?
ጸወታታት ኦሎምፒክን ፓራኦሎምፒክን ፓሪስ ብዝተተሓዘሎም መደብ ከምዝካየዱ ተገሊጹ ኣሎ። ግን ጉዳይ ሩስያን እስራኤልን ብኸመይ ክረኣይ እዩ? ብዛዕባ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ኣገደስቲ ነጥብታት ኣብዚ ተዳህሲሶም ኣለዉ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ምዕራብ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ሱዳናውያን ስደተኛታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒኑ
ብሰንኪ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምዕራብ ጎንደር ካብ ዝርከብ ክልተ መዕቆቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጹ ሱዳናውያን ስደተኛታት ሓገዝን ሓለዋን ክግበረሎም ተማሕጺኖም።
ቪድዮ, ሳራ ኣራዲ፡ ብመግቢ ሓበሻ ኣብ ዱባይ ዝነገሰት ኢትዮጵያዊት ወናኒት ቤት መግቢ ኣል-ሓበሻዕምሪ ፈነወ, 5,37
ኣል ሓበሻ ሬስቶራንት፡ ናብ ዱባይ ዝበጽሐ ዝዀነ ኢትዮጵያዊ መግቢ ሃገሩ እንክናፍቕ ኣትዩ ዝምገበሉ ቤት መግቢ’ዩ። እዚ፡ ኣብታ ሃገር ንልዕሊ 26 ዓመታት ባህላዊ መግቢ ኢትዮጵያ እናላለየ ይርከብ።
ምጕዓዝ፡ ምዝራብን ምብላዕን ከይተረፈ ዝኸልእ ሕማም እንታይ እዩ?
እዚ ኵነታት መብዛሕትኡ ግዜ ብጌጋ ሕማም ፓርኪንሰን ወይ ሃንቲንግተን ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ግን፡ ብሓቂ ሓድሽ ኵነታት ምዃኑ ኣረጋጊጾም’ዮም። ኣብ ሓንጎል ብዝፍጠር ምትእኽኻብ ሓጺን ስለ ዝመጽእ ድማ ኒውሮፈሪቲኖፓቲ ኢሎም ሰመይዎ።
ቓዛ፡ ባይደን ተወሳኺ ኣጽዋር ምልኣኽ ደው ከብል የጠንቅቕ፡ ስቓይ ነበርቲ ግን ይገድድ
ብኻልእ ወገን እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ካብ እትጅምር ኣማኢት ትካላት ማይን መጻረይን ቓዛ ከምዝዓነዉ ብቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተገብረ ትንተና ሳተላይት ኣረጋጊጹ።
ኢትዮጵያ፡ ግዝረት ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ውሳነ ዑለማ ስለምንታይ ኣካታዒ ኰይኑ?
ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ፡ ን2ይ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣመልኪቱ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መዘራረቢ ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ። ትሕዝቶኡን ዝለዓል ዘሎ ነጥቢታትን ስክፍታን ከኣ እዚ ጽሑፍ ዳህሲስዎ'ሎ፤
ኣመሪካ፡ ንእስራኤል ኣጽዋር ምልኣኽ ደው ኣቢላ
ኣመሪካ: ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ራፋሕ ዝጀመረቶ ዓቢ ናይ ምድራዊ ስርሒት ስክፍታ ስለዝፈጠረላ፡ ኣጽዋር ምልኣኽ ደው ከምዘበለት ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር እታ ሃገር ገሊጹ።
ከይሓልፈኩም
ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ መን ከሲቡ? መንከ ከሰረ?
እስራኤላዊ ተመራማሪ፡ እስራኤል ካብቲ መጥቃዕቲ ዝረኸበቶም ገለ ረብሓታት እኳ እንተሃለው፡ ብኻልእ ሸነኽ ግን ስዕረት እያ ኣአንጊዳ ይብል። እዚ ድማ፡ ኣሰላልፋ ማእከላይ ምብራቕ ዘይምግንዛባን ኢራን ኣብ ዶባታ መጥቃዕቲ ንኸይተብጽሕ ክትከላኸል ዘይምኽኣላን እዩ ኢሉ ይኣምን።
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን፡ ሰብ ተስፋን ሰብ ጓህን ኣብ ጐደና ግጋባ - ካምፓላ
ዩጋንዳ፡ ንዓመታት ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ብቐጻሊ ንስደተኛታት ዝቕበል ክፉት ፖሊሲ ዘለወን ሃገራት ኰይና ጸኒሓ። ኣብታ ሃገር 13 ማእከላት መዕቈቢ ስደተኛታት ዘለው ኰይኖም፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ብርክት ዝበሉ ካብ ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ኮንጐ፡ ኢትዮጵያንን ደቡብ ሱዳንን ዝተሰዱ ስደተኛታት ከተማ ብግዝያውነትን ቀዋምነትን ይነብሩ።
ኬንያ፡ ኣብ ሓደገኛ ጉዕዞ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝጠፍኡ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ 10 ተስፋ ዝቖረጹ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ገጾም ተበጊሶም። መዕለቢኦም ኡጋንዳ’ዩ። ክሳብ ቀረባ ዓመታት ኣስታት 200 ሽሕ ዝዀኑ ኤርትራውያን ዝበዝሑ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ነይሮም።
ርእሰ-ቅትለት ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ መጠንቀቕታ ኩነታት መንእሰያት ስደተኛታት'ዩ- ዳዕሮ
ካብ 2020 ክሳብ 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብቲ ብክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት (ሆም ኦፊስ) ዝመሓደር መዕቆቢ ዝነበረ 23 ሓተትቲ ዑቕባ ርእሰ-ቅትለት ምፍጻሞም ዝተረጋገጸን ዝተጠርጠሩን ከምዘለዉ፡ 'ሊበርቲ ኢንቨስቲጌትስ' ብዝተባህለ መርማሪ ጋዜጣዊ ጸብጻብ ዝሰርሕ ትካል ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።
ኤርትራውያን ኣብ ካናዳ ዝብድሆም ዘሎ ስእነት ስራሕ እንታይ ይመስል?
ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንካናዳ ቅድሚ ምእታዎም መብዛሕትኦም፡ ኣብተን ዝጸንሑለን ሃገራት ኰይኖም ብሓገዝ ስድራ ቤቶም ብሓዋላ ክናበሩ ዝነበሩ እዮም። እቲ ዝረኽቡዎ ገንዘብ ከኣ፡ ካብ ኢዶም ናብ ኣፎም ስለዘይሓልፍ፡ እቶም ዝበዝሑ፡ ኣብተን ብኤርትራውያን ዝውነና ትካላት ብትሑት መሃያ እናሰርሑ፡ ብትምህርቲ ከይሰጐሙን ብሞያ ከይሰልጠኑን እዮም ናብ ካናዳ ዝኣትው።
ብውሕልነቶም፡ ‘ቡዳ’ እናተባህሉ ዝጥቅዑ ዘለው ኢደ ጥበበኛታት
ኣብ ትግራይ ኣብ ስርሓት ኢደ ጥበብ ዝተዋፈሩ ሰባት ‘ሰብ ዝቐትሉ ቡዳታት እዮም’ ብዝብል ባህላዊ እምነት ኣደዳ ግፍዕን ሞትን ምክልባትን ከም ዝዀኑ ይገልጹ። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሕ በደላት እናሓመቐን እናወሰኸን ምኻዱ ዝገልጽ ማሕበር ኢደ ጥበበኛታት ትግራይ፡ ካብ ምዝንባል፣ ጸለመን ምፍርራሕን ብዝሰገረ ክሳብ ቅትለት ዝበጽሕ ምዃኑ የረድእ።
ኤርትራ፡ ስሙያት ተወዳደርቲ ብሽክለታ እናፍረየት ስለምንታይ ስሙይ ውድድር ከተካይድ ዘይትኽእል?
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሓያልን ስሩዕን ውድድራት ዘይምህላዉን፡ ኣብ ኵለን ዞባታታት ካብ ውድደር ማውንተይን ባይክ ዝጅምር ውድድር ዘይምህላዉ’ዩ ንቍጽሪ ፕሮፈሽናላት ተወዳደርቲ ከምቲ ዝድለ ክብ ንኸይብል ዓንቃጺ ኰይኑ ሒዝዎ ከምዘሎ'ውን ይፍለጥ።
ኤርትራ፡ ተኽእሎታት ወፍርን ግብራውነቱን ከመይ እዩ?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ዋዕላ ኢጣልያ-ኣፍሪቃ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገርን ሓያሎ ሰበ ስልጣን መንግስትን ተራኺቡ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕተ ቅርጺ፡ መንገዲ ባቡር፡ ወደባት፡ ጸዓት፡ ሕርሻን ምግፋፍ ዓሳን ሰፊሕ ዕድላት ወፍሪ ከምዘሎ ኣብሪሁ እዩ። እዚ ዕድላት ግብራዊ ክኸውን ዘሎ ተኽእሎን ብድሆታቱን ኣብ ዝምልከት እምበኣር፡ ቢቢሲ እምበኣር ንክኢላታት ዓውደ ቍጠባን ወፍርን ኣዘራሪቡ ነቲ ዛዕባ ዳህሲሱዎ ኣሎ።
ዲፕሎማሲ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢጣልያን ካበይ ናበይ?
ኣብ እዋን ድሕረ-መግዛእቲ፡ ከም ፈረንሳን እንግሊዝን ዝኣመሰላ ገዛእቲ ዝነበራ ሃገራት፡ ንናይ ቀደም ግዝኣታተን ብዝተፈላለየ መዳያት ብምሕጋዝን፡ ከይተባተኻ ፍሉይ ዝምድና ከማዕብላ ይረኣያ። ኤርትራን ኢጣልያን ግን እንታይ እዩ ታሪኸን? ኣብ ድሕረ-ናጽነት ኤርትራ ብፍላይ ከመይ እናበለ ክመጽእ ጸኒሑ? ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ፡ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ንኤርትራውያን ምሁራት ኣዘራሪቡ ዳህሲስዎ ኣሎ፤
ከነኣን፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተሰረተ ካብ ዓበይቲ ትካላት ኤርትራውያን
ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ወጺኦም ኣብ ሃገረ ስደቶም ኣብ ዝተፈላለየ ጽላት ርእሰ ማሎም፡ ፍልጠቶምን ክእልታቶምን ኣውፊሮም ኣብ ዝምስርትዎ ዕዉት ትካላት ንነብሶምን ካልኦትን ዕድል ስራሕ ይፈጥሩ ኣለው። ኣብ 2007፡ ብኢንጂነር በረኸት ጐይትኦምን ኢንጂነር ብእምነት ለኣከን፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተመሰረተ፡ ኣብ ዝተፈለላያ ሃገራት ጨናፍር ኣስፊሑ ዝነጥፍ ዘሎ “ከነኣን” እተሰምየ ትካል ሓደ ካብ ግሉሓት ኣብነታት ኤርትራውያን ኣውፈርቲ’ዩ።
ቅልውላው ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዝምድና ሃገራት እንታይ ይመስል?
ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዞባታት ብግጭት፡ ምትእትታው ሓያላን ሃገራትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን እዩ ዝፍለጥ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣማኢት ኣሽሓት ዝሞቱሉ ኲናት ዘአንግድ እዚ ወጥሪ ዘይጠፍኣሉ ምኽንያት ሓደ ብሰንኪ ውሽጣዊ ጉዳያት እተን ሃገራት እዩ። ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ምትፍናን’ውን ጽልዋ ኣለዎ።
ትንታነ
ሩስያውያን፡ ነቲ ድሕሪ ስታሊን ነዊሕ ዝፀንሐ መራሒ ከመይ ይርእይዎ?
"ፑቲኒዝም ሓደ ተወሳኺ ስጋ ዝለበሰ ስታሊኒዝም'ዩ ምበልኩ። ከም [መላኺ ሶቭየት ነበር] ስታሊን ይመሳሰል። ስልጣኑ ከምቲ ኣብ ግዜ ስታሊን ዝነበረ ብሕታዊ እዩ። ብዙሕ ፖለቲካዊ ዓፈናታት ክጥቀም ይመርጽ። ከም ስታሊን ድማ ክሕሉ ድሉው እዩ፤ ዕድመኡ ልክዕ ኣብ ስልጣን ይርከብ።"
እስራኤል ትነቕፎ ዘላ ሓድሽ ውዕል ተዅሲ ደው ምባል እንታይ እዩ?
ሓይልታትን ታንክታትን እስራኤል ኣብ ጥቓ ዶብ ራፋሕ ብምሸት ናብ ደቡባዊ ጋዛ ክኣትዉ ከምዝተራእዩ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢሮም። ኣቐዲሙ ሰራዊት እስራኤል ፍልስጤማውያን ካብ ምብራቓዊ ክፋላት እታ ከተማ ክወጹ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃብ ኣብ ዶብ ግብጺ ኣብ እትርከብ ራፋሕ መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይዱ ነይሩ።
ኢትዮጵያ፡ መሰጋገሪ ፍትሒ ‘ካብ ሓላፍነት ንምህዳም ወይስ ገበነኛታት ንምቕጻዕ?’
ዕላማ ፖሊሲ መሰጋገሪ ፍትሒ፡ ኣብ ኵነታት እታ ሃገር መሰረት ዝገበረ "ዝተዋደደን ዝተናበበን ስርዓት ትግበራን መስርሕን መሰጋገሪ ፍትሒ ምዝርጋሕ" ከምዝዀነ እዩ ተገሊጹ። ክኢላታት ሕግን ምሁራትን ግን ኣብቲ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተኣወጀ መሰጋገሪ ፖሊሲ ፍትሒ ዝተፈላለዩ ነቐፌታ የቕርቡ ኣለዉ።
ኵነታት ራፋሕ ናበይ ገጹ? እስራኤል 100 ሽሕ ፍልስጤማውያን ክወጹ ጸዊዓ
ሰራዊት እስራኤል ቅድሚ’ቲ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ቓዛ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ስርሒት፡ ፍልስጤማውያን ሲቪላት ካብ ገለ ክፋል ምብራቓዊ ራፋሕ ክወጹ ኣዚዙ።
ስለ ምንታይ’ዩ ምስ ዘይትፈልጦ ሰብ ሓቢርካ ምንባር ዝያዳ ሕጕስ ዝገብር?
ኣብዚ ሕጂ እዋን ክልተን ልዕሊኡን ኰይንካ ምስ ዘይትፈልጦም ሰባት ምንባር ልሙድ እዩ። ግን እንታይ ይመስል?
ካብ ሰሙነ ሕማማት ክሳብ በዓል ትንሳኤ
ትንሳኤ ካብቶም ዓበይቲ በዓላት ኣመንቲ ክርስትና እዩ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ዓብዪ ጾምን ንስሓን እዋን ዝጸንሑ ብዙሓት ክርስትያናት ትንሳኤ ክርስቶስ የብዕሉ። ትንቢታት ብሉይ ኪዳንን ዝተፈጸመላን እግዚኣብሔር ነዛ ዓለም ዘድሓነላን መደብ ከምእዝውክል ይኣምኑ። ንምዃኑ በዓል ትንሳኤ ስለምንታይን ብኸመይን’ዩ ዝኽበር? ሰሙነ ሕማማት’ከ እንታይ ማለት’ዩ?
'ፍርሕን ጸሎትን' ዘንጸላለዋ ዝተኸበት ከተማ
ወዲ 31 ዓመት መምህር እንግሊዝኛ ዑስማን መሓመድ “ኩላትና ኣብ ፍጹም ፍርሕን ኣብ ዝመጽእ መዓልታት እንታይ ከም ዝጽበየና ብቐጻሊ ኣብ ምጭናቕን ኢና ንነብር” ይብል። ኣቦ ሓሙሽተ ቆልዑ ዝኾነ መሓመድ ዓሊ ኣደም መሓመድ ዝተባህለ ወዲ 36 ዓመት ወናኒ ድኳን እውን ኣብ ከቢድ ስግኣት ተሸሚሙ ይርከብ።
ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ብኸመይ ኣብ ቀጽሪ ቫቲካን ልዕሊ 500 ዓመት ዝገበረ ንብረት ኣጥርያ?
ኣብ መበል 15 ክ/ዘመን ኣብሲናውያን ክርስትያናት ካብ ሃገሮም ተበጊሶም በረኻታት ሱዳንን ኣጻምእ ግብጽን ሰጊሮም ኣብ ግብጺ እስክንድርያ ኣብ ዝርከብ መንበረ ማርቆስ ይሳለሙ ነይሮም።ቀጺሎም፡ በረኻታት ሲናይ ሰጊሮም ን"ቅድስቲ ሃገር" ንእየሩሳሌም ይሳለሙ ነይሮም።ጕዕዞኦም ብእኡ ደው ኣይበለን ። ናይ ቅዱስ ጳውሎስን ጴጥሮስን መካነ-መቓብር ንክሳለሙ ናብ ሮማ ይጐዓዙ ነይሮም።
ናብ ፕሪምየርሊግ ክምለሳ ዝተበየነለን ጋንታታት ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከባ?
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ዝሳተፋ ዝነበራ ጋንታት ኩዕሶ እግሪ ትግራይ፡ መቐለ 70 እንደርታ፣ ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራትን ሱሑል ሸረን ኮይነን ብድሕሪ ስምምዕ ሰላም ናብ ዝነብርኦ ሊግ ንኽምለሳ ሓቲተን ነይረን። እንተኾነ እቲ 16 ጋንታት ዝሳተፋሉ ፕሪምየርሊግ ብኻልኦት በቲ ኲናት ዘይተጸለዋ ጋንታት ቀጺሉ ስለዝነበረ እተን ናይ ትግራይ ጋንታት ዝምለሳሉ ዕድል ኣይረኸባን ጸኒሐን።
እስራኤል ብቕትለት ህጻናት ብገበን ኲናት ትኽሰስ
ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ጀኒን ዘይከም ቃዛ ብሓማስ ኣይትመሓደርን እያ። ሰራዊት እስራኤል ናብቲ ከባቢ እንተመጽዮም ከኣ፡ ድኳናት ብቕልጡፍ እዮም ዝዕጸዉ።
ተመራመርቲ ‘ጥዕና ዝህብ ጻዕዳ ባኒ’ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም
እቶም ተመራመርቲ ነቲ ባኒ ከዳልዉ ከለዉ ውሑድ መጠን ዓተር፣ ባሎንጓን ጥረታትን ከምኡ’ውን ካብ ጻዕዳ ሓርጭ ዝእለዩ ገፈልን ቡቋልን ስርናይ ክውስኹሉ መደብ ኣለዎም።
ኣዛዚ ኣፍሪኮም 'ቀንዲ ስግኣት ኣፍሪቃ' ዝበሎም ዘርዚሩ፤ እንታይ እዮም?
ኣብ ቃለመጠይቝ፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ እዚ ኣፍሪቃ-ኣመሪካ ጀነራል ማይክል ላንግሊ፡ ሕሉፋት ጕጅለታት፡ ጸጥታ ኣፍሪቃ ኣብ ምዝራግ ቀንዲ ስግኣት ኰይኖም ይቕጽሉ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ስደት ኤርትራውያን፡ ብሩስያ ኣቢልካ ናብ ኣውሮጳ ብኸመይ?
በዚ መስመር ዝተጓዕዘ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣዳም [ስሙ ዝተቐየረ] ሓደ ካብኦም እዩ። ኣዳም ከም ብዙሃት መንእሰያት ዝሓሸ ዕድል ስራሕን ናብራን ንምንዳይ ንስደት ኣምሪሑ። እዚ ምርጫዚ ግን ብቐሊሉ ዝብጻሕ ከምዘይኰነ ኣብ መስርሕ ጕዕዞኡ ካብ ዝተመኰሮ ውረድደይብ እዩ ዝያዳ እናተገንዘቦ መጺኡ።
ቓዛ፡ ሮኬት ሓማስ ስለስተ ወተሃደራት እስራኤል ቀቲሉ
ካብ ወሽመጥ ቓዛ ብዝተተኰሰ ሮኬት ሓማስ፡ ስለስተ ወተሃደራት እስራኤል ድሕሪ ምቕታሉ፡ እስራኤል ን ኣፍደገ ከረም-ሻሎም ከም ዝዓጸወቶ ኣፍሊጣ።
ጥንስን ኣደነትን ነጀው ዝብላ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ
ካብ ክሊማዊ ጭንቀታት ክሳብ ፋይናንሳዊ ጉዳያት ከምኡ’ውን ጥዕናዊ ሕልኽላኻት ዘለው ስግኣታት ምኽንያት ብደረጃ ዓለም፡ ቁጽሪ ቈልዓ ክወልዳ ዘይደልያ ደቂ ኣንስትዮ ይወስኽ ኣሎ፤ ዓለማዊ መጠን ወሊድ ክኣ ይንኪ።
ውጥን ርዋንዳ-ብሪጣንያ፡ ማሕበር ተሓላቒ መሰላት ስደተኛታት ሕጋዊ ብድሆ የቕርብ
ዋላ'ኳ እቲ ብፓርላማ ዝጸደቐ ሕጊ፡ እቶም ስደተኛታት ካብ ርዋንዳ ናብ ሓደጋ ክኣትውሉ ዝኽእሉ ሃገራት ከይስደዱ ምኽንያት ከቕርቡ ዕድል ዝህብ እንተኾነ፡ እቲ ዝርዝራዊ መምርሒ ፖሊሲ ግን፡ ርዋንዳ ናብ ሓደገኛ ሃገር ክትመልሶም ከምእትኽእል ንዝቐርብ መመኽነይታ ዕሽሽ ክብልዎ ዝእዝዝ'ዩ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ጉዳይ ምስ ኣምሓራ ዘዋጥጡ ዘለው ከባቢታት እንታይ ኢሉ?
ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ንመስርሕ ትግበራን ኣፈጻጽማን ውዕል ፕሪቶሪያ ኣመልኪቱ ሎሚ ረቡዕ ንማዕከናት ዜና እታ ክልል መግለጺ ሂቡ። ምስ ሰብመዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓለፍቲ መንግስትን ንክልተ መዓልታት ዝቐጸለ ዝርርብ ምርኩስ ገይሩ መግለጺ ዝሃበ ኰይኑ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተበጽሐ ስምምዓት ኣፈጻጽማኡ ዝምልከት ብግዜ ሰሌዳ ኣነጺርናዮ ኣለና ኢሉ።
ብሪጣንያ፡ ሕቶኡ ዝተነጽገ ፈላማይ ስደተኛ 'ብወለንታኡ' ሩዋንዳ ኣትዩ
ነዚ ውጥን እትነቅፍ ተመዓዳዳዊት ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ኢቨት ኩፐር ግን፡ ብዛዕባ ወለንታዊ ምምላስ ስደተኛታት ዝምልከት ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ መንግስቲ እታ ሃገር “ከባቢያዊ መረጻታት ቅድሚ ምጅማሮም ድሮ ሓደ ሰብ ናብ ሩዋንዳ ንምስዳድ ገንዘብ ከፊሉ ኣሎ” ክትብል ነቒፋ።
ኢትዮጵያ ብዛዕባ ሕብረት ኣውሮጳ ዘንበሮ ግዝያዊ እገዳ ቪዛ እንታይ ትብል?
ኢትዮጵያ በቲ ሕብረት ኣውሮጳ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትው ዜጋታቱ ንምቕባል ዝገበሮ ምትሕብባር ትሑት’ዩ ብምባል ዘንበሮ እገዳ ቪዛ ከም ዝሓዘነት ገሊጻ።
ብሰንኪ ጾታዊ ዓመጽ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝኣወጀት ሃገር
ሬንቦው ኤኒሼቲው ዝተባህለ ምስ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝሰርሕ ትካል፡ ብ2022 ካብ ሞንጐ ዝመጽኡ 2705 ጉዳያት እቶም ሓሙሸተ ሚኢታዊት ጥራይ’ዮም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ይብል።
ናብ ሩዋንዳ ንዝግዕዙ ስደተኛታት ግፋ ክጅመር እዩ ተባሂሉ
ናብ ሩዋንዳ ዝግበሩ ቀዳሞት በረራታት ንምድላው ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ስደተኛታት ገፊፍካ ኣብ ቀይዲ ምእታው ክጅመር ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ። እዚ ዝተበሃለ፡ ዘ ጋርድያን፡ ስደተኛታት ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ናብ መጽንሒ ማእከላት ክሰጋገሩ ከምዝጅምሩ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።
ኣመሪካ 'ቀይሕ መስመር' ከይትሰግር ቻይና ኣጠንቂቓ
ቻይና ንሩስያ ኣጽዋር ከይትህባ ንፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ከምዝተማሕጸኖ'ውን እቲ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሓቢሩ። ንሩስያ ትህቦ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ደው እንተዘየቢላ ግን ኣመሪካ ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ብሊንከን ኣጠንቂቑ'ሎ። እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ከምዝኸውን ግን ኣየነጸረን።
'ሰባት እዮም ኣታሊሎምኒ' ልዕሊ 6 ሚልዮን ዶላር ብምትላል ዝተኸሰሱ ቀሲስ በላይ
ቅድም ክብል ሃገረ ስብከት ኦሮሚያ ንምቛም ብዝገበርዎ ምንቅስቓስ ዝፍለጡ ምክትል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሃገረ ስብከት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ሊቀ ኣእላፍ ቀሲስ በላይ፡ ብረቡዕ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም።